ዓገብ እባ!

ክብደትን ምረትን ናብራ ስደት ብቓላት ተገሊጹ ዝውዳኣ ኣይኮነን፡ ንዝተሓለፉ ውረድ-ደይብ ጌና ውን ዝቕጽል ዘሎ፡ ተካል ሰንፈላል ህይወት ንጸላኢኻ’ውን ዘይትምነየሉ’ዩ። ኣብ ዓድኻ ዝነበርካዮ ምዩቕ ዝበዝሖ ናብራ ባርነት እናተዘከረ’ዶ ድኣ ይኸውን ነቲ ዘይጽወር እንጸውር፡ ነቲ ዘይሕለፍ ውን እንሓልፍ፡ ብኡኡ ኣቢልና ወጅሂ ህይወት ገጻ ክትመልሰልና ሃንቐው እንብል፡ ዋላስ ካልእ ምስጢር ኣለዎ’ዩ። ህይወት ንባዕላ ብዙሕ መስገደላት እትሓልፈላ መድረኽ ምዃና ዝተፈጥረ ወዲ-ኣዳም ኣዳዕዲዑ ፈሊጥዎስ ብኡኡ ተማእዚኑ ቅቡል ዕርቡን ምንባር ካብ ዝኸውን መዋእል ኣቑጺሩ ኣሎ። እንተ ናትና’ሞ “ኣብ ዘላታ ተወሰኸታ” ኮይኑ ዝብሉ በዚሖምስ፡ ነታ ዘላን ዝነበረትን ከም ንቡር ወሲድና፡ ነታ ዝተወሰኸት ክንኣሊ ሕኲት ኣብ ምባል እንርከብ፡ መን ይፈልጥ ሓደ መዓልቲ፡ እዛ ተወሲኻ እንብላ ዘለና ተቐንጢጣ፡ ጥምጥም ናብራ ምስታ ካብ ብቐደም ዝነበረት ጥራይ ኮይኑ፡ ከተልፈዓና ድያ ከነልፍዓ ብዘየገድስ ንቡር ምፈተንና’ሞ፡ ሰዓርን ተሰዓርን ብሓባር እናተሓጎሱ ዝነብሩላ ሕያወይቲ ናብራ ከነስተማቕር ምበቓዕና። እዝን ነዚ ዝመስልን ኩነታት ካብ ዘይተፈጥረ፡ ኣይክዓርፍን’የ ኣይድቕስን’የ፡ ሕደጉኒ፡ እቲ ዘልሎ ኣብኡ ኣሎ፡ ብዝመስል ኣካይዳ እልፊ-ኣእላፍ ኤርትራዊ፡ ኣብ መላእ መኣዝን ዓለም ተዘርዩ ይርከብ። ካብ ዓዱ ወጺኡ ክሳብ እቲ መዓርፎይ ዝብሎ ዝበጽሕ ዘሎ ከልበትበት ከኣ ካብቲ ዝኸፍአ መልክዑ ክሳብ ኣስካሕካሒን ኣሰምባድን ኣጋጣሚታቱ ተዘርጊሑ ንረኽቦ። “ካብ ዓድኻ ወጺእካ ጥዑም ነይርከብ” ዝበሃል ርቱዕ ኣበሃህላ ከምዘለዎ ከይሓየኽካ እትውሕጦ ዓቢ ስንቒ ናብራ ስደት’ዩ። በዚ መሰረት’ዩ ከኣ ዘጋጠመ እንተኣጋጠመ፡ ዘጓነፈ’ውን እንተ ኣጓነፈ፡ ኣብ ዓዲ ጓና ምህላውካ እናዘከርካ፡ ነቲ ዘይንቡር ከም ንቡር፡ ነቲ ሕማቕ’ውን ከም ጽቡቕ እናወሰድካ ክትነብር እትፍትንን ምስ ግዜ’ውን ተወሃሂድካዮ፡ ብደረጅኡ ትምራሕ።
20155676_104441836895993_5379747917276820741_n
ኣብ ዓዲ ጓና ክሳብ ዝሃለኻ ብወዲ-ዓዲ ንዘጋጥመካ ጽቡቕ ነገር፡ ከም መለክዒ ስልጣኔን ሰብኣውነትን፡ ነቲ ሕማቕ ነገር ከኣ ከም ንቡርን ትጽበዮ ዝነበርካን ጌርካ እናወሰድካ ምንባር ብልሒ ዘድልዮ ጥበብ ከምዘይኮነስ ኣጸቢቕና ንፈልጥ ኢና። ብወገነይ፥ ሓወይ/ሓፍተይ፥ ወዲ-ዓደይ፥ ወዲ-ሩባይ እትብሎ ሰብ ንዝወርደካ ወይ ዘጋጥመካ ጽቡቕ ነገራት’ኳ ዝበዝሕ እንተኾነ፡ ሳሕቲ ንዝረኣዩ ሕማቕን ኣሰምበድትን ፍጻሜታት ግን፡ እንታይ ኢልካ ከምእትገልጾም ሕርብት’ዩ ዝብለካ ። በቲ ወገነይ እትብሎ ሕማቕ እንተወሪዱካ፡ እቲ ጓና ዝበሃል ደኣ ” እንታይ ሕማቕ’ዩ ክገብር ዘይክእል ? ” ክሳብ ምባል ደርጃ ትበጽሕ። እናፈለጥካን እናተረደኣካን እትዕድሞም ጸገማት እኳ እንተዘይሃለዉ፡ ኣብ ምጉዳሎምን ምውጋዶምን ግን እቶም ቐንዲ ተውሳእቲ ባዕላትና ምዃንና ርዱእ’ዩ። እቲ ምንታይሲ ሽግር ወይ መከራ ክወርደካ ዘይተፍቕድ ክሳብ ዝኾንካ፡ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ፡ እሞ ከኣ ወገነይ እትብሎም፡ ሕልናኻ’ውን ስለዘየፍቕደልካ’ዩ። ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ግን ካብዚ ዝተጠቕሰ ተርእዮታት ውጽእ ዝበለ ትዕዘብ’ሞ “ዋእ! ኣንቱም ሰባት ዓገብ ንበል” ክሳብ ምባል ትበጽሕ።
ምስ ንዓይ ትኾነኒ’ያ/ይኾነኒ’ዩ ዝበልካዮ፡ ንቡር ናብራ ሓዳር ምምስራት ሓደ ካብ ጻውዒትን ግዴታታት ህይወት ኮይኑ፡ ኩሉ እነከናውኖ ንጥፈታት ከኣ ኣብዚ ዝተባህለ ናብራ ወይ ሓዳር ይወድቕ። ነዚ ክዉን ንምግባር ከኣ ክሳብ ሕልፈትና ከይተሓለልና ንጎዪ። ዛንታ ጥልመት ኣብ ሓዳር ሓደ ካብቲ ኣሰካፊ ዛዕባ ስደት እዩ፡ ኣምሳያ’ዚ ተርእዮ ብዙሕ ስደተኛ ክትንከፍ ይርአ እዩ። መንእሰይ ሰናይት ኣብነት ናይዚ ዝተባህለ ሕማቕ ኣጋጣሚ’ያ። ናብ ስደት ኢላ ካብ እተምርሕ ብዙሕ ዝገበረት፡ ንዘጋጠማ ሕማቕ ርካብ፡ ሕልሚ ክኾነላ ክንደይ ግዜ ዘይተመነየት። ኮይኑ ግን ኣይ ከምዝተመነየቶን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ እዝኒ ብዙሕ ሰማዒ በጺሑስ፡ ክትቕበሎ ከምዘለዋ ኣጸቢቑ ተረዲእዋ’ዩ። ርክብ ሰናይትን ናይ መጻኢ በዓል-ቤታ ክኸውን ዝተሓርየን፡ ብመገዲ ኣብ ደገ ዝርከቡ ኣሕዋታን መቕርባን’ዩ መበገሲኡ። ድሕሪ’ቲ ንቡር ናይ ምልላይ መስርሕ፡ ኣቐዲሙ ብዝተሓበራ መሰረት ኩሉ ነገር ከም ቅቡልን ርዱእን ወሲዳ፡ ነቲ ደሓር ክኸውን ዝግብኦ ምድላዋት ምጽፋፍ ካብ እትጅምር ነዊሕ እዋን ሓሊፉ’ዩ። በዓል-ቤት ሰናይት ኣብ ሃገረ እንግሊዝ ዝነብር ስደተኛ ኮይኑ፡ ናብቲ ዓዲ ኣትዩ ንቡር መስርሕ ዑቕባ-ምሓታት ወዲኡ ወረቐቱ ካብ ዝሕዝ ነዊሕ ዝገበረ’ዩ። ናብራ ስደት ብዘይ በዓልቲ-ቤት ከቢድ ምኹኑ ዝበርሃሉ፡ ብዘይ ውዓል-ሕደር ነዚ ጉዳይ ኣብ መፈጸምታኡ ከብጽሕ፡ ብዙሕ ተኣማኒ ዝኾነ ስጉምትታት ይወስድ ምንባሩ፡ ሰናይት ንባዕላ ኣጥዕያ እትኣምነሉ ጉዳይ ምኳኑ ከይሓብአት ነጊራትኒ’ያ። ከም መርኣያ ቑርብነቱ’ውን ኪኖ ተስፋን መብጸዓን ዝኸይድ ብዙሕ ነገራት ጌሩለይ’ዩ ትብል ባዕላ። ድሕሪ ብዙሕ ምድኑጓይን ሸንኮለልን በዓል-ቤት ሰናይት፡ ከም መብጸዓኡ ንቡር መስርሕ ቓል-ኪዳን ንምፍጻም ናብ ኣዲስ ኣበባ ድሕሪ ምምጻእ፡ ንቡር ቓል-ኪዳንን መርዓን እኽለ-ማይ ብምፍሳስ ብወግዒ ቓል-ኪዳኑ ከምዝኣሰረ፡ ትካዘ ብዝመልኦ ቀባሕባሕታ ኣዕለለትኒ። ንከባቢ ክልተ ወርሒ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ዕረፍቱ ወዲኡ ናብ ዓዲ ስደቱ ኣምረሐ። ብዙሕ ከይጸንሐ ንመስርሕ ምጥርናፎም ዝሓሸ ሃገር ይኸውን’ዩ ዝተባህለ ኡጋንዳ ብምንባሩ፡ ግዜ ከይወሰደት ናብቲ ሃገር ግዒዛ ክትጸንሕ ከምዘለዋ ስለዝተረዳድኡ፡ ከይደንጎየት ናብ ኡጋንዳ ከደት። ንዝተገብረ ወጻኢታት መስርሕ ምቕያር ዓዲ፡ ምሉእ ብምሉእ ባዕሉ በዓል-ቤታ ብምሽፋን ዝኣክል ሞራላውን ገንዘባውን ሓገዝ ይገብረላ ምንባሩ ተረዳእኩ።
ብመሰረት ዝተኣስረ ውዕል ቓል-ኪዳን፡ ንቡር መስርሕ ጥርዓን ምጥርናፍ ሰብኣይን ሰበይትን ከም ዝጀመሮን ፡ ብዕቱብ ይከታተሎ ከም ዘሎን እና ኣተስፈወ፡ ንኣዋርሕ ብሰላም ከም ዝተጓዓዙ፡ እቲ ድሕሩ ዝተፈጸመ ኣሰምባዲ ተግባራት በዓል-ቤታ ካበይ ከም ዝብገስ ዝኾነ ትፈልጦ ነገር ከምዘይነበራን፡ ድንግርግር እናበላ ተረኸትለይ። ዋላ’ኳ ኣብቲ መጀመሪያ እዋን ምንፋስ ናይዚ ወረ ክኣምኖ ይጽገም እንተነበርኩ፡ ሳሕቲ’ውን “ኣይ ! ሱቕ ኢልካ ወረ እዩ” ይብል እንተነበርኩ፡ ድሒሩ ብብዙሕት መቕርበይን እሕዋተይን ብተደጋጋሚ ምስ ተነገረኒ ግን፡ ክዉን ነገር ምኳኑ ተረደኣኒ። “እንታይ ኢለ ነዛ ነብሰይ ከእምና ግን ፍጹም ሓርበተኒ” ትብል መንእሰይ ሰናይት። በዓል-ቤት ሰናይት ኣብ ርእሲ’ቲ ዝኣሰሮ ቓል-ኪዳን፡ ኣብ ዓመት ዘይመልእ ግዜ፡ ካልእ ቓል-ኪዳን ኣብቲ ዝነብረሉ ሃገር ምእሳሩ፡ ርጉጽ ሓቒ ምዃኑ ኣረጋገጸት። ለካ እቲ ኩሉ ተስፋታት መስርሕ ምጅማር ፕሮሰስ ምስኡ ተተሓሒዙ ዝግበር ዝነበረ መብጸዓታት፡ ፍጹም ሓሶት እዩ ዝነበረ።
ንዓይ ንበይነይ ይጥዓመኒ ብዝመስል ኣካይዳ፡ ኪዳን ንዝኣሰርካሉ ሰብ ኣብ ጥራይ ጎልጎል ጥንጥን ኣቢልካ፡ ኣብ ርእሲ እቲ ዘሎ ጸገም ካልእ ኣደራዕ ወሲኽካ ዝከናወን ናብራ ክንደየናይ ጥዑምን ጥጡሕን ከይከውን፡ እቲ ካብ ኩሉ ዝከፍአ፡ ንሓደ ሰብ ካብ ዝነበሮ ኣንፈት ጉዕዞ፡ ዓባይ ትኹን ንእሽቶ ብዘየገድስ፡ ኣላጊስካን ጨዊኻን “ክኾነካ/ኪ እየ’ባ፡ ካልእን” እንበልካ ዝግበር ጥበራ፡ ማዕረ ክንደይ ሃሳዪ ምዃኑ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። እሞ’ኸ ደኣ ንሓደ ሰብ ካብ ዝነበሮ መደብ ጨዊኻ፡ ድሓር ኣብ ጥራይ ጎልጎል ብዘይ ዝኾነ ይኹን ቅቡልን ጭቡጥን ምኽንያት ምጥንጣን ምስ ምንታይ እዩ ክቑጸር’ባ እቲ ክስዕብ ዝኽእል እልቢ ዘይብሉ ሕቶታት፡ መልሱ ኣብ ሰብኣውነት፡ ርህራሄን፡ ሓልዮትን እዩ ዘሎ። መን ይፈልጥ፧ ድኣ’ሞ እዚ ዝተባህለ ስለዝጎደለ’ዶ ድኣ ይኽውን፡ ነቲ/ታ ከምዚ ከማኻ/ኺ ከልበትበት ናብራ ስደት ተስተማቕር ዘል/ሎ ወገንካ፡ ካልእ ዘይተሓስበ ኣደራዕ እነውርድ ዘለና ወይስ ካልእ መግለጺ ኣለዎ’ዩ።
እንተ ረኻቢት መከራ ሰናይት’ሞ ምስ ምሕላፍ ግዜ፡ ዘጓነፋ ቑስሊ ህይወት ድሮ በሰላ ኮይኑስ፡ ስምብራቱ እናሃሰሰላ ይኸይድ ምህላዉ፡ ኣብ ጥቓኣ ዘለዉ መሓዙታ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ዝዕዘብዎ ዘለዉ ነገር ምኳኑ ኣረጋጊጾም ይዛረቡ እዮም። እንተ ነቲ ነዚ ተግባር ዝወዓሎ ግን ክንደየናይ ቐሲኑ ሰላም ዘለዎ ለይቲ ከይሓድር። ንዝፈጸሞ በደል ከም ሓማቕ ሕልሚ እናተመላለሰ፡ ምሉእ ሂወቱ ከበርግጎ ክነብር እዩ። ትማል ትማል ዝነበርካዮ ከልበትበት ናብራ ስደትን ተጸባይነትን ድሮ ተረሲዑስ፡ ነታ ብኽንደይ መከራ ዝረኸብካያ፡ ጩራ ንቡር ናብራ፡ ዘይቡር መልክዓ እናኣትሓዝካ፡ ኣብ ልዕሊ ከማኻ ኣሕዋትካን ኣሓትካን ሓደጋ ምውዳቕ “ዓገብ! ኣንቱም ሰባት እንታይ’ዩ ዝኽወን ዘሎ፡ ሃየንታ ኣሎዎ!ዘብል እዩ።