ካብ ኤርትራ ብመንገዲ ቀይሕ ባሕሪ ኣቢሎም ናብ ሰዋኪን ሱዳን ዝኣተዉ 9 ደቅንስትዮ ዝርከበኦም 27 ስደተኛታት፡ መንግስቲ ሱዳን ምስ መንግስቲ ኤርትራ ብምትሕብባር ንኤርትራ ክጥርዞም ይጓየ ከም ዘሎ ተፈሊጡ ። ንኤርትራ ከይስጐጉ ሓንቲ ጠበቃ ጓለንስተይቲ፡ ትጣበቐሎም ከም ዘላ ውን ተፈሊጡ ኣሎ። 3 ሽሕ ጂነ ሱዳን ከፊሎም ጉዳዮም ካብ ምስጓግ ድሒኑ ከም ዘሎ፡ 7 ካብኣቶም ‘ዉን ብመንጎኛታትን ገንዘብን ወጽኦም ከምዘለዉ ፡ እቶም 20 ግን እብ እስርቤት ከተማ ኻርቱም ከም ዝርከቡ ተፈሊጡ ሎ ።
ኤምባሲ ሃገሬ ኤርትራ ኣብ ካርቱም ነዞም ኣብ እስርቤት ዝርከቡ 20 ኤርትራውያን ናብ ኤርትራ ክመልሶም ይጓየ ከም ዘሎ ተፈለጡ ‘ሎ ። መንግስቲ ሱዳን ነዞም 20 ኤርትራውያን ኣብ ክንዲ ናብ ማዓስከር ስደተኛታት ዝመልሶም ኣብ እስርቤት ዳጉንዎም ምስ ምህላዉ ንኤርትራ ከይጥርዞም የሰክፍ ።