ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፖርትሱዳን ካብ ኢድ ጨወይቲ ንዝተለቊ 20 ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ቤት ማኣሰርቲ ሰዋኪን ክዳጎኑን ከባቢ 5 ሽሕ ጂኔ ምስ ከፈሉ ድማ ናብ ሃገሮም ክጥረዙን ንዘሕለፎ ፍርዲ ዛጊት ዳግመ ግምት ከምዘይገበረሉ ወኪል ኣፍሪቃ ሞኒቶርስ ካብ ከተማ ካርቱም ሓቢሩ።
እቶም ስደተኛታት ተወለድቲ ብሄረ ራሻይዳ ካብ ዝኾኑ ጨወይቲ ሓራ ድሕሪ ምዋጻኦም ብዘይካ ናብ ጨንፈር ላዕለዋይ ወኪል ንጉዳይ ስደተኛታት ዝተረከባ ክልተ ደቅንስትዮ ኣቶም ዝተረፉ ናብ ቤት ማእሰርቲ ክዳጎኑን ገንዘባዊ መቕጻዕቶም ከፊሎም ክጥረዙን እዮም ተፈሪዶም ዘለዉ። ዝተፈላለያ ተሓለቕቲ መሰላት ስደተኛታት ዝኾና ወገናት እቲ ዉሳኔ ዳግመግምት ክግበረሉ ጻዕርታት ይገብራ’ኳ ኣንተሃለዋ ኣቶ ኤርትራውያን ወገናት ፍታሕ ከምዘይተገብረሎምን ከይጥረዙ ዘለዎም ዕድል እንዳጸበበ ይኸይድ ከምዘሎን ኣዩ ኣቲወኪል ዝሕብር።
ምስቶም በቲ ቤት ፍርዲ ተሪር ስጒምቲ ተወሲኑሎም ዘለው ስደተኛታት ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ከምዝርከቡ’ኳ እንተተገልጸ ፥ ኣቲ ቤት ፍርዲ ስደተኛታት ኣመዝጊቦሞ ዘለዉ ዕድሚኦም ግጉይ ምዃኑ ከምዘረጋገጸ እዩ ዝዛረብ። ኣብ እዋን ፍርዲ ነቶም ስደተኛታት ጨውዮም ዝነበሩ ወገናት ምስ ተዓዘብቲ ኣብቲ መጋባኣያ ምንባሮም ዝጠቐሰ ወኪል ኣፍሪቃ ሞኒቶርስ፥ ግዳያት ኣንዳፈረድካ ገበነኛታት ዘይምትንካፎም ንሕቡእ ዝምድና መሓውራት ጸጥታን ሕጊን መንግስቲ ሱዳንን ኣሰጋገርቲን ዘጒልሕ ከምዝኾነ ኣረዲኡ ኣሎ። ኩነታት ጥዕና እቶም ኣብ ቤት-ማኣሰርቲ ሰዋኪን ተዳጒኖም ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት እንዳጎደለ ይኸይድ ከምዘሎን ቀጥታዊ ክትትል ሰብ ሞያ ከምዘድሊን እየን ዝተፈላለያ ተሓለቅቲ ኣካላት ዝጽውዓ ዘለዋ።