ሕማም ሸሮኽ ኣብ እም-ሰገጣን ኮርኮራን 5 ሰባት ይቐትል

እቲ ብዕለት 8 ሰነ 2017 ናብ መዓስከር ስደተኛታት እምጉርጉር ዝለሐመ ሕማም ሾሮኽ፡ ድሕሪ ናይ ማሕበራት ግብረሰናይ ብዙሕ ጻዕሪ ኣብ ትሕቲ ቁጹጽር ምእታው ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት እምሰገጣ 3፡ ኣብ ኮርኮራ ድማ 2 ሰባት በቲ ተላባዒ ሕማም ሂወቶም ከምዝሰኣኑ ወኪል ኣፍሪቃ ሞኒቶርስ ካብ ሱዳን ሓቢሩ።

ኣብ እምጉርጉር በቲ ሕማም ኣማኢት ሰባት ከምእተለኽፉ ካብኣቶም ድማ ህጻናት ዝርከብዎም 9 ስደተኛታት ከምዝሞቱ ይዝከር።

ብመሰረት ሓበሬታ ወኪል ኣፍሪቃ ሞኒቶርስ፡ ኣብ መዓስከር እምጉርጉር እቲ ሕማም ኣብ ትሕቲ ምሉእ ቊጽጽር ኣትዩ ምህላዉ ይግለጽ እኳ እንተሎ፡ ካብን ናብን እቲ መዓስከር ዝግበር ምንቅስቓስ ሰባት ክዕገት ስለዘይተገብረ ፡ እቲ ሕማም ኣብ ውሽጢን ከባቢታትን እቲ መዓስከር ዳግማይ ከይክሰት ተሰጊኡ ምህላዉ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

መንግስቲ ሱዳን ተርእዮታት እቲ ሕማም ኣብ እምጉርጉር ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዝኣተወን ዝኾነ ነባሪ እቲ መዓስከር ንግዜኡ ካብ ቦታኡ ከየርሕቕን እኳ እንተኣዘዘ፡ ካብን ናብን እቲ መዓስከር ዝግበር ምንቅስቓስ ብዝተፈላለየ መልክዕ ይቕጽል ምህላው እዩ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

እቲ ተላባዒ ኣብ ከም ካርቱም፡ ዞባ ኒል ኣልዓብየድ፡ ከምኡ’ውን ኣጥባራ ይቀላቐል ብምህላውን መንግስቲ ሱዳን ድማ ነዚ ብዝምልከት ዝኾነ ወግዓዊ መግለጺ ዛጊት ብዘይምሃቡን ፡ ኣብ እምጉርጉር ተዓሚሙ ዝበሃል ዘሎ ዓወት ግዝያዊ ጥራይ ከይከውን እየን ዝተፈላለያ ኣብታ ሃገር ዝነጥፋ ሰብኣውያን ትካላት ስግኣተን ዝገልጻ ዘለዋ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ እቲ ሕማም ኣብ መዓስከራት እምሰገጣን ኮርኮራን ሂወት 5 ስደተኛታት ድሕሪ ምውሳዱ፡ ሕዝቢ ናብ ማሕበራት ግብረሰናይ ብቕልጡፍ ስለዝሓበረ እቲ ሕማም ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር ኣቲዩ ምህላው ወኪል ኣፍሪቃ ሞኒቶርስ ካብቲ ከባቢ ኣረጋጊጹ ኣሎ።

እምሰገጣን ኮርኮራን ናይ ቀደም መዓስከር ኤርትራዊያን ስደተኛታት ኮይነን፡ እቶም ስደተኛታት ብድልየቶም ሱዳንውያን ክኾኑ ስለዝመረጹ ሕጂ ከም ዓድታት ሱዳን ኢየን ዝቁጸራ።

ኣብ መዓስከራት ኤርትራዊያን ስደተኛታት ሸገራብን ወዲ ሸሪፈይን ግን ክሳብ ሕጂ ዝኮነ ምልክት ናይቲ ሕማም ከምዘየለ ተፈሊጡ ኣሎ። ብፍላይ ኣብ ሸገራብ ንጽሬት ዝምልከት ብዙሕ ስራሓት ከምዝካየድ፡ ኣብ እምጉርጉር ውን ሕጂ መደባት ጽረት ተታሒዙ ከምዝሎ ይግለጽ።

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out / Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out / Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out / Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out / Change )

Connecting to %s