ላዕለዋይ ወኪል ንጉዳይ ስደተኛታት ንግዱድ መስጎጒቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብመንግስቲ ሱዳን ይዂንን

መንግስቲ ሱዳን ብኤውሮጳዊ ሕብረት ንዝተዋህቦ ዋሕዚ ስደት ንምግታ ዝዓለመ ዕዮ ንምምላእ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ልዕሊ ካልእ እዋን ግዳይ ይገብር ከምዘሎ ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን፡ ላዕለዋይ ወኪል ንጉዳይ ስደተኛታት በቲ መንግስቲ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝወስዶ ዘሎ ግዱድ መስጎጒቲ ስክፍታኡ ይገልጽ ኣሎ።

በዚ ተደገጋሚ ምምላስ ኤርትራውያን ዘተሓሳሰቦ UNHCR ብመንገዲ ኣብ ካርቱም ትርከብ ሓላፊት ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ኤሊዛበት ታን ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ምንግስቲ ሱዳን ኣብ ዝገበረቶ ርክብ እቲ ጉዳይ ዝያዳ ከም ዘተሓሳሰባን ስደተኛታት ናይ ዕቁባ መሰሎም ክሕለወሎም ምንግስቲ ሱዳን ግደትኡ ምኻኑ ውን ኣስሚራቱሉ ፡ ቀጺላ ምንግስቲ ሱዳን ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ምስ UNHCR ክተሓባበር ከምዝግባእ ኣብሪሃ ።

ምንግስቲ ሱዳን ናብ ሃገሩን ናብ ከም ግብጺን ሊብያን ዝኣመሰላ ጎረባብቲ ከምርሑ ንዝሕዞም ዘሎ ኤርትራውያን ኣብ ከም ካርቱም ዓረቢ ፡ ሁዳ ፡ ድንጉላ ፡ ከሰላ ኣልሙባሕስ  ዝኣመሰላ ኣብያተ-ማእሰርቲ  እንዳዳጎነ በበእዋኑ ናብ ኤርትራ ክመልሶም ጸኒሑ እዩ ፡፡

እቲ ላዕለዋይ ወኪል ነዚ እዋናዊ ስክፍታ ዝገልጽ ዘሎ ቀረባ መዓልታት ድሕሪ መንግስቲ ሱዳን ኣብ ከተማ ከሰላ ዳጒንዎም ዝጸንሐ 66 ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ መንግስቲ ኤርትራ ክርከቡ ምውሳን ፡ድሮ ፍርቂ ካብቶም ስደተኛታት ሻቡ ናብ ክፍሊ ሓለዋ ዶባት መንግስቲ ኤርትራ ምርካቦምን እዩ።

ቤት-ፍርዲ ዞባ ከሰላ እቶም ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ናይ’ዚ ዓመት ኣብ ደቡባዊ ክፋል እታ ዞባ ኣብ ልዕሊ ዝነጥፍ መርበብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቅ-ሰብ ብዝተኻየደ ስርሒት ዝተታሕዙ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዘይሕጋውያን እዮም ብዝብል ናብ ዝሃደሙኩ ሃገር ክምለሱ ኣብ ምዝዛም ወርሒ ነሓሰ ምውሳኑ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ልዕሊ ሳላሳ ካብቶም እዚ ደረቕ ፍርዲ ተበይኑሎም ዘሎ 66 ስደተኛታት ካብ 15 ክሳዕ 17 ዓመት ኣብ ዘሎ ክሊ ዕድመ ዝርከቡ ኮይኖም ፣ እቶም ድሮ ናብ መንግስቲ ኤርትራ ብከባቢ ላፋ ተረኪቦም ዘለው 30 ሰባት ዳርጋ መብዛሕትኦም ትሕቲ ዕድመ ምዃኖም እዩ ዝንገር። እቶም ተሪፎም ዘለዉ 36 ካልኦት እውን ክሳዕ 16 መስከረም ተሪፉዎም ንዘሎ ናይ ማእሰርቲ ግዜ ዛዚሞም ናብ ሃገሮም ክስጎጉ ከምዝኾኑ ወኪል ኣፍሪቃ ሞኒቶርስ ካብ ከተማ ከሰላ ይገልጽ።

ግዱድ መስጎግቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብከም ማሕበር ቀይሕ መስቀል ቀይሕ ወርሒ ፡ ሚታዕዊናት ኣል ላጂኢን ካልኦትን ዝኣመስላ ሰብኣውያን ማሕበራት እዉን ከቢድ ተቃውሞ ገጢሙዎ ምህላዉ እዩ ዝሕበር።

 

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out / Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out / Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out / Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out / Change )

Connecting to %s