ካብ ሱዳን ናብ ኤርትራ ዝተሰጉ ኤርትራውያን ብሚዛን ጉዳያቶምን ደሕረ-ባታኦምን እንዳተለለዩ ኣዳዳ ማእሰርት ይኾኑ ምህላዎም ወኪል ኣፍሪቃ ሞኒቶርስ ሓቢሩ። በዚ መሰረት ፥
1ይ ጉጂለ
ታዕሊም ከይወሰዱ ዝጸንሑ እሞ ሱዳን ኣትዮም ብምንግስቲ ሱዳን ብግደታ ዝተጠረዙ ኣብ ክልተ ክፋላት ተኸፊሎም ገሊኦም ኣብ ኣጻምእ ጎላጉል ኣፍዓበት ኣብ ዝርከብ ብምዕጥር ዝፍለጥ መደብር ታዕሊምን ቤት-ማእሰርቲን፡ ገሊኦም ድማ ኣብ ከባቢ ኣቁርደት ዝርከብ ብኮርመናዕ ዝፍለጥ መደበር ታዕሊምን መዳጎኒን ንኣስታት 6 ወርሒ ተኣሲሮም ድሕሪ ምጽናሕ ብቀጥታን ኣብ ትሕቲ ጽኑዕን ቀጻሊን ሓለዋ ናብ ታዕሊም ክኣትዉ ይግበር ኣሎ።
2ይ ጉጂለ
ብኣሃዱታቶም ክህደኑ ዝጸንሑ ፍሉጣት ሰባት ከም ፐርሰናላት ፡ መራሕቲ ጋንታ ክሳብ በጦሎኒ ካብ ሱዳን ብምንግስቲ ሱዳን ብግደታ ናብ ምንግስቲ ኤርትራ ድሕሪ ምርካቦም ብኣሃዱታቶም ምስ ተለለዩ ፡ ናቅፋ ኣብ ዝርከብ ኣብ እዚ ምዕራብ ብሓላፊ ጨንፈር ምክቲታል ዶባት ኮረነል በረኸት ( ከረንፎት ) ዝመሓደር ብኣቦይ ርጉም ዝፍለጥ ትሕቲ መሬት ቤት-ማእሰርቲ ንዘይተወሰነ ኣዋርሕ ተዳጉኖም ይርከቡ ኣለዉ ።
3ይ ጉጂለ
ሃገራዊ ግቡኦም ፈጺሞም ኣብ ዝተፈላለዩ ምኒስትሪታት ክዓዩ ዝጸንሑ ከምኡ ድማ ኣብ ዝተፈላለየ ኮለጃት ክመሃሩ ዝጸንሑ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ካብ ሱዳን ብምንግስቲ ሱዳን ብግደታ ንምንግስቲ ኤርትራ ድሕሪ ምርካቦም ካብ ከተማ ሓጋዝ ንሸነኽ ሰሜን ገለ ኪሎመተራት ርሒቁ ኣብ ዝርከብ መዳጎኒ ማእከልሓሽፈራይ ኣለዉ።