ንኣስታት 2 ኣዋርሕ ብኣሰጋገርቲ ደቂሰባት ተጨውዮም ዝነበሩ 6 ደቅኣንስትዮ ዝርከብኦም 14 ኤርትራውያን ስደተኛታት ብኣባላት ጸጥታ ምንግስቲ ሱዳን ነጻ ወጺኦም ኣለዉ።
እቶም ኣብ ሽወክ ዝበሃል ቦታ ብኣሰጋገርቲ ደቂ ሰባት ተጨውዮም ዝጸንሑ ስደተኛታት ነፍሲ ወከፎም ኣስታት 7 ሽሕ ዶላር ኣመሪካ ክኸፍሉ በቶም ኣሰጋገርቲ ኽሕተቱ ከም ዝጸንሑ ካብቶም 14 ስደተኛታት እቶም 3 ድሮ ገንዞቦም ከፊሎም ከም ዝጸንሑ ኣፍሊጦም። ኣባላት ጸጥታ ሱዳን ድሒሮም ብዘካየድዎ መጽናዕቲ ኣብ ሽወክ ሰደተኛታት ይጭወዩ ኸም ዘለዉ ምስ ኣረጋገጹ እዮም ነቲ ናይ ነጻ ምውጻእ ስርሒት ዘካየዱ።
ዘሰኒ ዘይብሎም ኤርትራውያን ህጻናት ስደተኛታት ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሸገራብ
ስእሊ፦ UNHCR/K.Ringuette
ሽወክ ካብ መዓስከር ስደተኛታት ሸገራብ ኣስታት 40 ኪሎሜተር ንሸነክ ደቡብ ርሒቃ እትርከብ ዓዲ ዀይና፡ ቀንዲ መናሃርያ ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰባት ኰይና ዘላ ዓዲ እያ። ብፍላይ ካብ ከም በዓል ሸገራብ ተጨውዮም ዝመጹ ስደተኛታት፡ ከምኡ ድማ ካብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ካብ ማዕስከር ሕጻጽ ዝመጹ ዘለዉ ስደተኛታት ዝዳጐኑላ ዓዲ ዀይና እቶም ስደተኛታት እቶም ኣሰጋገርቲ ዝሓትዎ ገንዘብ ክኸፍሉ ዝግደዱላን፡ ካብ ሓደ ናብ ካልእ ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰባት ከም ኣቕሓ ዝሽየጡላን ዓዲ እያ።
ኣብቲ ኸባቢ ቕድሚ ሕጂ ቀንዲ መናሃርያ ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰባት ዝነበረት ሓጀር እትበሃል ዓዲ ኮይና ኣብ መንጎ እቶም ኣሰጋገርቲን ንሓድሕዶምን፡ ከምኡ ድማ ምስ ምንግስቲ ሱዳን ተደጋጋሚ ረጽሚ ሰለ ዝተኻየደሉ እቶም ኣሰጋገርቲ ኣብዚ ግዜ’ዚ ንሽወክ ከም ቀንዲ መናሃርያ ይጥቀሙላ ኣለዉ ።