ኣብ ምብራቕ ሱዳን ኣብ መዓስከራት ሸገራብን እምጉርጉርን ዝቕመጡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብሕጽረት ማሕበራዊ ኣገልግሎታት፡ ብፍላይ ኣገልግሎት ጥዕና ኣብ ርኡይ ጸገም ከምዝርከቡ ነበርቲ ናይተን መዓስከራት ይገልጹ ኣለዉ።
ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሸገራብ ዘሎ መደበር ጥዕና ምስቲ ዘለዎ ትሑት ዓቕሚ ሰብን ንዋትን ነቶም ኣብኡ ዝርከቡ ነበርትን ሓደሽትን ስደተኛታት ብቑዕ ኣገልግሎት ክህብ ኣይክእልን ኣሎ። እቶም ስደተኛታት ምስ ዝሓሙ ወይ ብሕጽረት ሕክምና ወይ ውን ሕክምና ንኽረኽቡ ኣብ ብዙሕ ጸገም ይወድቁ ኣለዉ። ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሸገራብ ምስ ብዝሒ ናይ ቀደምን ሓደስትን ስደተኛታት ኩሉ ግዜ ሕማማት ዝርአ’ኳ እንተዀነ፡ እኹል ሕክምና ግን ኣይረኽቡን እዮም።
መሰነይታ ዘይብለን ትሕቲ ዕድመ ስደተኛታት ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሸገራብ
ብተመሳሳሊ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት እምጉርጉር እቲ ኣብ ትሕቲ ማሕበር ቀይሕ ወርሒ ሱዳን ዝመሓደር መደበር ጥዕና ሎሚ ዓመት ሓድሽ ባጀት ስለዘይረኸበ፡ ዝህቦ ዝነበረ ውሱን ኣገልግሎት ጥዕና ክቕጽል ስለዘይከኣለ፡ እቶም ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ርኡይ ጸገም ጥዕና ወዲቖም ኣለዉ።
ኣብ እምጉርጉር ዝወሃብ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ትምህርቲ፡ ማይን ጥዕናን ኰይኑ፡ ናይ ጥዕና ኣገልግሎት ዝተሓተ እዩ።
ኣብ ሱዳን ዘሎ መዓስከራት ንስደተኛታት ዝኸውን ብቑዕ ማሕበራዊ ኣገልግሎት የብሉን። እቲ ዝርካቡ ኣገልግሎታት ስማዊ ጥራይ ኰይኑ፡ ዝህቦ ኣገግሎት ኣዝዩ ድሩት እዩ።