ሕማም ‘ፕሮሰስ’ ኤርትራውያን ስደተኛታት

ኣብቲ ፈለማ ናይ ናጽነት ዓመታት፡ ህጻናት ከለና፡ ታሕጓስ ናጽነት ገና ብሓድሹ ኸሎ፡ ኣብ ራድዮ ድምጺ ሓፋሽ ኤርትራ፡ ሓንቲ ብዙሓት ተኸታተልቲ ዝረኸበት ‘ፕሮሰስ’ ዘርእስታ ተኸታታሊት ራድዮ ድራማ ትፍኖ ኸምዝነበረት እዝክር። ናፍቖት እንዳማትካ ዘምጽኦ ኽሳራን እቶም ብሕማም ‘ፕሮሰስ’ ዝተለበዱ መንእሰያት ዘሕልፍዎ ኸንቱ ትጽቢትን ህይወትን እተዘንቱ ድራማ እያ ኔራ። ሕማቕ እዋን ኣርኪቡ እቶም ናይ ፈለማ 90ታት ህጻናት ጐቢዝና መንእሰያት ካብ ዝዀንናሉ ክሳዕ ሎሚ፡ ወለዶና ኽስደድ ክቕሰብን፡ ብሕማም ‘ፕሮሰስ’ ክልከፍን ዘመን ፈሪድዎ ኣሎ።

ሕማም ‘ፕሮሰስ’፡ ለይትን መዓልትን ንኣእምሮ ስደተኛታት ዝቈጻጸር፡ ዓሚቝ ሃረርታን ናፍቖትን ሃገራት ምዕራብ ዝንጸባረቐሉ፡ ብዛዕባ ናብተን ሃገራት ምብጻሕ ተስፋ ምርካብን ተስፋ ምዕራብን እናተበራረዩ ንኣእምሮን መንፈስን ዘሳጽዩሉ ኹነት እዩ። ኣብ ብዙሓት ክሳዕ ናይ ኣእምሮ ጸገም፡ ምስ ቤተሰብ ምግርጫው፡ ኣብ መገዲ ዘጋጥም ኣካላዊ ማህሰይትን ሞትን፡ ክሳራ ገንዘብን ካልኦትን ዝርከብዎም ኣሉታውያን ጽልዋታት ኣለውዎ።

ስደት ከም ተርእዮ ነንበይኑ ምኽንያት ወይ መበገሲ’ኳ እንተሃለዎ፡ እቲ ሓደን ማዕረ እቶም ካልኦት ቀንዲ ረቛሒታት ዝስራዕ፡ ሽቕለትን፡ ምስኡ ተተሓሒዙ ዝመጽእ ቁጠባዊ ተኽእሎታትን እዩ። ዘለኻዮ ኩነታት ክትሰርሕን ከተስርሕን ዘየፍቅድ እንተኾይኑ፡ ኣማራጺታት ከተናዲ ትግደድ። ዓዲ ወይ ሃገር ምቕያር ዝጸንሐ ሜላ መነባብሮ ከም ምዃኑ መጠን፡ ነዚ ንምትግባር ብዙሕ ተበግሶታት ይውሰድ። ንዘለካ ንዋታዊ ይኹን ገንዘባዊ ዓቕምታት፡ ሞያኻን ክእለትካን ሓዊስካ ክትሰርሕ ትፍትን ። ውሑዳት ዘይበሃላ ሃገራት ኣፍሪቃ ንስራሕ ይኹን ንወፍሪ፡ ኣዝዩ ምቹእ ዝኾነ ሃዋህው ምስናይ ውሑድ ዓመታዊ ግብሪ ኣዋዲደን “ሃየ! ንዑ ስርሑ” እየን ዝብላ ዘለዋ።

txbitኣሽሓት ኤርትራውያን  ዘይተኣደነ መጠን ከፊሎም ናብ ሃገራት ክስደዱ ህርድግ ክብሉ ይነብሩ። ዋላ’ኳ መጠን ናይቲ ክኽፈል ዝጥለብ ገንዘብ ዝፈላለ እንተኾነ፡ ካብ 5- 6 ሽሕ ክሳብ 20-40 ሽሕ ዶላር ኣመሪካ ዝበጽሓሉ እዋናት’ውን ኣሎ። ነቲ ናብቲ ኣብ ኣእምሮኦም ዝሃነጽዎ ምድሪ መብጽዓ ንምብጻሕ ዝጠፍአ ገንዘብ፡ ኣብኡ ምስበጽሑ፡ ኣብ ክንደይ ዓመታት ከዋህልልዎ ይኽእሉ፧ ኣብ ዓመት፧ 5 ዓመት፧ 20 ዓመት፧ ኣብ 50 ዓመት፧ ኣብቲ ሃገራት በጺሖም ብምጽወታ መንግስቲ ዝናበሩ’ውን ኣለዉ። ንኽምጽወተልካስ ዘለካ ሃብቲ ኸፊልካ፡ ምድረበዳን ባሕርን ሰማይን ሰናጢቕካ፡ ክንደይ ግዜ ብኣንፊ ሞት ሓሊፍካ ምጕዓዝ ሕማም እንተዘይኰይኑ ዝዀነ ጥዕና የብሉን፡ ሕማም ‘ፕሮሰስ’። እሞ’ኸ ደኣ ክንድዚ ዝኣክል ገንዘብ እናኸፈልካ፡ ናብቲ ብመጠን ክፍሊት ይኹን ኩነታት ክብደት መነባብሮ ኣዝዩ ብርቱዕ ዝዀነ ሃገራት ምኻድ እንታይ እዩ ፋይዳኡ፧ ኣብ ነዊሕ እዋን ብተደጋጋምን ብኣወናዋኒን ኣገባብ ኣብ ኣእምሮ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ሳልሳይ ዓለም ዝነብር ዜጋ ዝተለጠፈ ባህጊ እዩ። “ደሓን! ጥራይ ኣብኡ ንብጻሕ  እምበር ብድሕሪኡስ…” ዝብል ኣተሓሳስባ ህይወት ሚልዮናት ሰባት ይገዝእ ኣሎ። ክንደይ ግሩህን ድህሉልን ኣብ መፈንጠራ እዞም ‘ናብቶም እትናፍቖም እንዳማትካ ኸነብጽሓካ ኢና’ ዝብሉ ደላሎ ወዲቖም ዘይምለስ ጣዕሳ ዀይንዎም፡ ኣደዳ ዘይተደልየ ኽሳራን ዕዳን ዀይኖም ‘ኣሕ!’ እናበሉ ዝተረፉ ኣለዉ።

ዘርኣይ ሓደ ኻብ ግዳያት ናይቶም ብሕማም ‘ፕሮሰስ’ ካብ ዝተጠቕዑ ሰባት ዝኸስቡ ደላሎ’ዩ። ቅድሚ ኽልተ ዓመት ኣቢሉ ይኸውን ኣብቲ ተኻሪናዮ ዝነበርና ቤት ሓቢሩ ምሳና ክቕመጥ፡ ክሓትት ኢሉ ምስ መጸ ኢና ተላሊና። ብመኽንያት ጽበት ክፍሊ’ኳ እንተዘይተቐበልናዮ፡ ኣብ ሓደ ኣከባቢ ንቕመጥ ምስ ምንባርና ግን ዳርጋ መዓልታዊ ንራኸብ ነበርና። ንኹነታት ኣመጻጽኣኡ ኣነ ሓደ ኻብቶም ደንጉዮም ዝፈለጡ’የ። ብመስመር ዓዲ-ዃላ ብእንዳገርግስ ዝመጸ ዀይኑ፡ ኣብ ዝኾነ ይኹን መዓስከር ስደተኛታት እግሩ ዘየንበረን፡ ዝዀነ ይኹን ወግዓዊ ምዝገባ UNHCR ዘይፈጸመን ስደተኛ ምዃኑ ኣብቲ ደሓር ዝተመስረተ ሕውነታዊ ምቅርራብ ነጊሩኒ’ዩ። ዋላ’ኳ ብኸመይን እንታይን እናገበረ ነዚ ኩሉ ከምዝሓለፎ ክግምት እንተፈተንኩ፡ ፍጹም ልዕሊ ዓቕመይ ኰይኑኒ፡ ኣብቲ ቐጻሊ ዕላልና ክበርሃለይ ከምዝኽእል ምሉእ እምነት ኣሕደርኩ። ከም እምነተይ ከኣ ኩሉ እቲ ኣጋጣሚታት ቀስ ብቐስ እናበርሃለይ ከደ።

ዘርኣይ ናብ መሬት ኢትዮጵያ ምእታዉ ምስ ኣረጋገጸ፡ ነቶም መገዲ መሪሖም ዘእተዉዎ ኣስገርቲ፡ ናብ መዓስከር ስደተኛታት ክኣቱ ከምዘይደሊ ምስ ሓበሮም፡ 15 ሽሕ ብር ክከፍል ዝኽእል እንተኾይኑ ሓተቱዎ’ሞ፡ ብመሰረት ስምምዖም፡ ንበይኑ ናብ ሓንቲ ንእሽተይ ገጠር ወሲዶም ምስ ሓደ መንእሰይ ኣተሓሒዞም፡ ነቶም ዝተረፉ ሓሙሽተ ሰገርቲ ሒዞም ከምዝኸዱ ኣዕለለኒ። ኣብታ ገጠር ክልተ ለይቲ ድሕሪ ምሕዳሩ፡ ምስ’ቲ ምስኡ ዝነበረ ወዲ ዓዲ ንቑሩብ ሰዓታት ብእግሮም  ድሕሪ ምኻድ፡ ናብ ሓንቲ ኻልእ ንእሽቶ ሓውሲ ኸተማ ኣተዉ። ብቐጥታ ምስ ሓደ ኣውቲስታ ናይ ጽዕነት መኪና ኣራኸቦ’ሞ ጉዕዞ ተተሓሓዝዎ። ንሰለስተ መዓልቲ ኣብታ ኣይሱዙ ዝዓይነታ ናይ ጽዕነት መኪና ምስ ተጉዓዙ ኣዲስ ኣበባ ኣተዉ ነገረኒ። ኩሉ ዝገብሮ ዝነበረ እንታይ ንምርካብ’ዩ እናበልኩ ተገረምኩ። ቁሩብ ጸኒሑ ኸምዝተረደኣኒ ግን ዘርኣይ ምዝጉብ ስደተኛ ምስዘይምንባሩ፡ ኢትዮጵያዊ ተመሲሉ ፓስፖርት ኸውጽእ ከምዝደለየ በርሃለይ። ከምቲ ዝገመትኩዎ ኣብ ሳልሳይ ወርሑ፡ ብልክዕ መጠኑ ኽዝክሮ ዘይክእል ገንዘብ ከፊሉ፡ ኢትዮጵያዊ ወረቐት መንነትን ፓስፖርትን ከምዝሓዘ ተረዳእኩ። ዋላ’ኳ ብዝወስዶም ዝነበረ ሓደገኛ ስጉምትታት ስክፍታይ ክገልጸሉ እፍትን እንተነበርኩ፡ ኣዳቒቑ ዝሓሰበሉን፡ ቅድሚ ኻብ ኤርትራ ምውጽኡ ከምዝወድኦን ደጋጊሙ ምስ ነገረኒ ፈተነታተይ ፍሹል ምንባሩ ተሰወጠኒ። ካብቲ ብሓባር ንቕመጠሉ ዝነበርና ናብ ርሕቕ ዝበለ ኸባቢ ስለዝግዓዝኩ፡ ርክብና ኣብ ነዊሕ እዋን እናዀነ መጸ። ከጓንፎ ንዝኽእል ሽግር ብዓይኒ ሕልናይ እናቐረጽኩ፡ ‘ይኽደኖ!’ እብል ነበርኩ።

ሓደ መዓልቲ ናብቲ ናይ ቐደም ከባቢየይ ክበጽሕ ኢለ ምስ ከድኩ ግን ሓደ ባህ ዘይበልኒ ወረ ግን ከኣ ዝግምቶ ዝነበርኩ፡ ብሓደ ካብቶም ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ ስደተኛታት ሰማዕኩ። መንእሰይ ዘርኣይ ብ33 ሽሕ ዶላር፡ ‘ፕሮሰስ’ ናይ ኣመሪካ ከም ዝጀመረ ኣረጋጊጹ ነገረኒ ። መጠን ናይቲ ገንዘብ እና ኣስደመመኒ፡ “ኣይበዝሐን ደኣ፡ ፍርቂ ሚልዮን ብር ማለት እኮ’ዩ!” በልኩዎ። ንዝጠቐስኩዎ መጠን ገንዘብ ግዲ ኸይሃበ፡ “ሕጂ ደኣ፡ ዳርጋ ወዲኡ እዩ፥” በለኒ “ኣብ ክልተ ወርሒ እያ ትውዳእ፡” ኢሉ ወሰኸኒ። ዝብሎ ጠፊኡኒ ናብ ዓጀውጀው ዝመስል ዕላል ድሕሪ ምእታው፡ ኮፍ ኢልና ቡን ክንሰቲ ዓደምኩዎ ። ሰብ ምሳይ ከምዘሎ ፍጹም ረሲዐ ኣብ ህልም ዝበለ ሓሳብ ኣትየ፡ እንታይ ኣደይበ እንታይ ዘየውረድኩ! “ክንድዚ ዝኣክል ገንዘብ” እንዳበልኩ፡ ዝምልኦ ንዘይብለይ ነዛ ነብሰይ ኣጨንቕ ኣበልኩዋ። ብልክዕ ከኣ ኽንድኡ ዝኣክል ገንዘብ፡ ኣብ ከባቢና ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ እንተዝስርሓሉ ዓቢ ቑምነገር ክኸውን ከምዝኽእል እናሓሰብኩ። “ካብ ጁባኻ ዲኻ ትኸፍለሉ፧ ዝን እኮ ኢልካ” ኢሉ ብሰሓቕ ክትርም ምስ በለ፡ ካብ ዝነበርኩዎ ሓሳብ ንእለቱ ወጺኤ ብሰሓቕ ኣሰነኹዎ።

ነዊሕ ከይጸናሕና፡ ዘርኣይ በቲ ዝነበርናዮ እንዳ ቡን ክሓልፍ ስለዝረኣኹዎ፡ ጸዊዐ ሰላም በልኩዎ፡ ምሳና ሓቢሩ ቡን ንኽሰቲ ኮፍ በለ’ሞ፡ ንቡር ዕላላት ስደት ተተሓሓዝናዮ። ምሳይ ዝነበረ ስደተኛ ናብ ዘርኣይ እናጠመተ፡ “ይሰልጥ’ዶ ኣሎ ዘርኣይ ዓርከይ፧” ክብል ምስ ሓተቶ፡ ብውሽጠይ ፈግ በልኩ፡ ምስጢር ኣደባባይ ምዃኑ’ውን ተረደኣኒ። ድንን ድንን እናበለ “እወ፡ ሕጅስ ዳርጋ ተገላጊለ’የ” በሎ። ዝነበረኒ ናይ ምሕታት ስክፍታ ስለዝተቐንጠጠለይ፡ “ከመይ ከመይ ድኣ’ያ እዛ ጉዳይ?” በልኩዎ እናሰሓቕኩ፡ “እንታይ ደኣ’ሞ ከምኡ ይሓይሽ በጃኻ” በለኒ ኣዕሚቑ እናኣስተንፈሰ። ንሱ’ኳ ባዕሉ ዘለዎ ኢለ “ብዙሓት ዲኹም’ከ፧” በልኩዎ፡ ኣጻብዕቱ እናኣውጸአ ሰለስተ ምዃኖም ሓበረኒ።

ዝዀነ ይኹን ናብ ርጉእን ውሑስን ቦታ ኽበጽሕ ዘይደሊ ስደተኛ’ኳ እንተዘየሎ፡ ነቲ ርጋኣትን ውሕስነትን ኣብቲ ዘለኻዮ ኸምጽእ ዝኽእል መልክዕን መጠን ገንዘብን ግን ምኽኑይ ኣይኰነን። ዋላ ነቲ ንባዕለይ ዝነበረኒ ባህጊ ስደት ናብ ምዕራብ ክቐትለለይ ተቐራሪቡ’ውን ኣሎ።

ንዘርኣይ ነንበይኑ ምኽንያታት እንዳ ኣምጽኡ ልክዑ ዝሓለፎ መጠን ገንዘብ ከምዝበልዕዎን፡ ወዮ ኣብ ውሽጢ ክልተ ወርሒ ክውዳአ ዝተባህለ ‘ፕሮሰስ’ ናብ ሸሞንተ ወርሒ ተመጢጡ፡ ኣደዳ ዘይተደልየ ኽሳራ ገንዘብን ግዜን ከምዝዀነ ድሓር ካብ ዕላል መዛኑ ሰማዕኩ። እቲ ካብ ኩሉ ዘሕዝን፡ ይትረፍ ዝተኣትወ ወብጸዓ ወይ ስምምዕ ክትግበር፡ ነዛ ንድሕነቱ ኣብ ሓደጋ ኣትዩ፡ ወዮ ኸነሳልጠልካ ዝበልዎ ሰባትን ሓደ ኻብቶም ሰለስተ ስደተኛታትን፡ ብምክትታል ፖሊስ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ምስ ኣተዉ፡ መንእሰይ ዘርኣይ እግረይ ኣውጽእኒ ኢሉ ናብ ኬንያ ከም ዝሃደመ ዝቐርብዎ መሓዙቱ ኸዕልሉ ሰማዕኩ። ይትረፍ ኣብ ነብስኻ ወሪዱ፡ ብዕላል ክትሰምዖ ዘጕሂ ነገር’ዩ። ካልእ ዕድላት፡ ዓቕሚ እንተተረኺቡ’ውን ብዙሕ  ኣማራጺታት ስራሕ ኣብ ኣፍሪቃ እናሃለወ ኣብ ምንትምንታይ’ዩ እዚ ኹሉ፧!

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s