ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኣመሪካ ሓደ ኣፍሪቃዊ መበቆል ዘለዎ ኣመሪካዊ ብፖሊስ ብዘሰቅቕ ኣገባብ ከም ዝተቐትለ ኣብ ዝተፈላለያ መራኸቢ ብዙሓን ክንሰምዖን ክንርእዮን ቀኒና ኣለና። እዚ ኣብ ምሉእ ዓለም ዝርከብ ህዝቢ ዝተዓዘቦ ፍጻመ’ዚ፡ ኣብ ዓበይቲ ማዕከና ዜናን ማሕበራዊ ሚዲያን መዛረቢ ኮይኑ ቀንዩ ኣሎ። ዝተፈላለዩ ጸለውቲ ሰባትን ትካላትን’ውን ምሕጽንተኦምን ስምዒቶምን ይገልጹ ኣለዉ። ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ባራክ ኦባማ፡ ቀዳማይ ሚንስተር ካናዳ ትሩደር፡ ጸሓፊ ምክልኻል ኣመሪካ ነበረ ማቲስን ብዙሓት ፍሉጣት ሰባት ነቲ ፍጻመ ብምዃናን እዚ ጉዳይ ፍትሒ ክረክብ ጻዊዕቶም የቕርቡ ኣለው።
እዚ ብጭካነ ብዝመልኦ ብዘስካሕክሕ ኣገባብ ትንፋሱ ዝሓለፈ ጆርጅ ፍሎይድ ዝተባህለ ወዲ 46 ዓመት ጸሊም ኣመሪካዊ እዩ። ፖሊስ ክሳድ ጆርጅ ብብርኩ ምስ መሬት ኣጥቢቑ ብምርጋጽ ሃለዋቱ ከም ዘጥፍ ከምዝገበሮን ብሰንኩ ድማ ህይወቱ ከም ዝሓለፈን’ውን ተገሊጹ። ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ሰባት ነቲ ፍጻመ ስለ ዝቐድሕዎን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ስለ ዝዘርግሕዎን ከኣ ኣብ ምሉእ ዓለም ክረአን ሰባት ብዛዕብኡ ክዛረቡን ቀንዮም። ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኣመሪካ፡ ናዕቢ ዝተሓወሶ ሰልፊ ይካየድ ኣሎ። ብዘይካ’ዚ ኣብ ከተማታት ዓዲ ኢንግሊዝ፡ ኣወስትራልያ፡ ጀርመንን ካልኦት ሃገራትን ሰለማዊ ሰልፍታት ይካየድ ኣሎ።
እቶም ተግበርቲ እዚ ኣስካሕካሒ ፍጻመ ብኡ ንብኡ ካብ ስርሖም ከም ዝተባረሩ’ኳ እንተተሓበረ፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት፡ እቶም ነቲ ጨካን ተግባራት ዝፈጸሙ ፖሊስ ናብ ሕጊ ቀሪቦም ምስቲ ዝፈጸምዎ ገበን ዝዳረግ ፍርዲ ክወሃቦም ጻዊዕቶም ከቕሩብ ቀንዮም ኣለዉ። እዚ ብዕለት 25 ግንቦት ኣብ ሰዓታት ናይ ምሸት ዘጋጠመ ፍጻመ’ዚ፡ ነቲ ፍጻመ ዝረኣየን ዝሰምዐን ሰብ ልቡን ሕልንኡን ከም ዝተተንከፈ ብዝተፈላለየ ኣገባባት ይገልጽ ኣሎ። ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኤርትራውያን’ውን ብመገዲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብዛዕባ እዚ ፍጻመ ቁጥዖኦም ይገልጹ ኣለዉ።
ብዙሕ ግዜ እንዕዘቦ ኣቓልቦ ዝረኸበ ፍጻመታት፡ መዛረቢ ኣርእስቲ ክኸውንን፡ በቲ ጉዳይ፡ ዋላ ንሓጺር መዓልታት ይኹን በቲን በቲን እናተቓባበልካ ክዝረበሉን ስሕት ኢልካ’ውን መፍትሒ ክናደየሉን ንርኢ ኢና። እዚ ኣብዚ ቅንያትን በብግዚኡ ዘጋጠመ ፍጻመታትን ኣብነት ክኾነልና ይኽእል እዩ።
ገበን፡ ፈጻሚኡ ብዘየገድስ ገበን እንተኾይኑ ገበን እዩ ክበሃል ዘለዎ። እንተኾነ፡ ኣብ ደገፍቲ መንግስቲ ዝረአ ዘሎ፡ ብዛዕባ ኣብ ገዛእ ህዝቦም፡ መቕርቦም፡ መተዓብይቶም፡ ኣዕሩኽቶምን መሓዝቶምን ዝወረደን ዝወርድ ዘሎን ግፍዕን በደልን ከም ዘይረኣኻን ከም ዘይሰማዕካን ኮይንካ ምሕላፍ፡ ካቡኡ ሓሊፍካ ከኣ ነቲ ብመንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዝወርደ ዘሎ ማእሰርቲ፡ መቕተልቲ፡ ጭውያ፡ ዓመጽ፡ መግረፍቲ፡ ዓፈና ከም ቅቡል ክወስድዎን ክከላኸሉሉን ይረኣዩ እዮም። ዕውር ደጋፊ፡ እናረኣየ ከም ዘይረኣየ፡ እናሰምዐ ከም ዘይሰምዐ ስለ ዝኸውን፡ ዋላ’ውን ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዝፍጸም ገበናት ክኽሕድን ምኽንያታት ክድርድርን ኣየሕፍሮን እዩ። “መንግስትና ዝፈጸሞ ገበን እንተኾይኑ ሸለል ኢልና ክንሓልፎ ጸገም የብልናን” ብዘስምዕ ከኣ፡ ምሒር ኣምልኾ፡ ሕልነኦም ከም ዝሸጡን ድንጋጸኦም ከም ዘጥፍኡን ይገብሮም ኣሎ።
ብቐሊሉ ክንርእዮን ክንሰምዖን ዝኸኣልና ፍጻመ ይኹን ነገር ብቐሊሉ ክንዘራረበሉን ኣብ ዝተፈላለየ መድረኽ ክለዓል ክንደፋፍእን ንቡር ዝኾነ ይመስል። እንተኾነ፡ ሓደ ፍጻመ ስለ ዘይረኣናንዮ ወይ ዘይሰማዕናዮ ወይ’ውን ክንዛረበሉን ክንዛተየሉን ስለ ዘይከኣልና እቲ ፍጻመ ይኹን እቲ ነገር ኣየጋጠመን ወይ የለን ማለት ኣይኮነን። ብዛዕባ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘሎ ሰብ ተኣሲሩ ከም ዘሎ ስለ ዘይተዛረብናሉ ወይ ዘይዘተናሉ፡ ኣይተኣስረን ወይ ኣደራዕ ኣይወረዶን ወይ’ውን ፍትሒ ኣይጎዶሎን ማለት ከም ዘይኮነ ክንደይ ካብቶም ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ዝድግፉ ዘለውን ዘለዋን ይርድኦም ይኸውን? ብዝበዝሑ ኤርትራውያን ዝፍለጡ፡ ናይ ፖለቲካ እሱራት ከም ኣብነት እንተወሰድና፡ ሃለዋቶም ከይተፈልጠ 19 ዓመታት ኮይኑ ኣሎ። መብዛሕትኦም ካብ’ዞም እሱራት ከባቢ 20 ዓመታት ኣብ ቃልሲ ዘሕለፉ፡ ክንድ’ቲ ዝተቓለስዎ ድማ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይሳቐዩ ኣለዉ። ካብ ስድርኦምን ፈተውቶምን 40 ዓመታት ተፈላልዮም ማለት እዩ። (ካብ መጀመርያ 70 ጀሚርካ ክሳብ እዚ እዋን፡ 2020፡ 10 ዓመታት ጥራይ’ዮም ምስ ስድርኦም እፎይ ኢሎም ከሕልፍወን ክኢሎም)። ኣብ መጀመርያ ናጽነት ዝተኣስረ ቢትወደድ እንተወሰድና፡ 30 ዓመታት ብዘይፍርዲ ተሓይሩ መዓልትታቱ ይጽብጽብ ኣሎ። ምናልባት ኔልሰን ማንዴላ 27 ዓመታት ተኣሲሩ ዝብል ዜና ክንሰምዕ እንከለና ንስምብድን ንግረምን ዝነበርና፡ በዚ ኣብ ልዕሊ ቢትወደድ ወሪዱ ዘሎኸ እንታይ ንብል ንኸውን። ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ብሕቲ ካብ መስከረም 2001 ክስዕ እዛ ሰዓት እዚኣ ን20 ዓመታት ሃለዋቶም ዘይተፈልጠ ምስ እንዝክርከ? እዚ ናይ ጆርጅ ፍሎይድ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ስለ ዝተፈጸመ ግንብንብ ኣቢሉና። ፈጸምቲ እቲ ገበን’ውን በቲ ዝገበርዎ ተግባራት ክሳብ ክንደይ ኣረሜታት ምዃኖም ገምጊምናን ኮኒንናዮምን። እቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዒራዒሮ፡ ማይ ስርዋ፡ ዓዲ ኣበይቶ፡ ፕሪማ ባረንቱ፡ ዓላ፡ ሓልሓለ፡ ኣደርሰር፡ ዊዓ፡ ገልዓሎ፡ እምባትካላ፡ ካርሸሊ፡ ምዕጢር፡ ወዘተ ዘለው መርመርቲን ቀጥቀጥትን ኣብ ልዕሊ እሱራት ዝፍጽምዎ ገበናት እንተ ዝረአን እንተ ዝንገርን ክሳዕ ክንደይ ግፍዕታትን ገበናትን ኣብ ልዕሊ ዜጋታትና ከም ዝተፈጸመን ይፍጸም ከም ዘሎን ምተሰቆረና።
ገለ እሱራት ብዙሕ ሰብ ዝፈልጦምን ዝዛረበሎምን ክኸውን ከሎ፡ ገሊኦም እሱራት ግን ካብ ስድራቤቶም ሓሊፉ ዝፈልጦም ይኹን ዘጣይቐሎም ዘይብሎም ኣለው። እቶም ዝበዝሑ’ውን እዮም። ክንደይ ዓበይቲ ዓዲ፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ኣመንቲ፡ ምሁራት፡ መንእሰያት፡ ወለዲ፡ ሰብ ሞያ፡ ከካብ መንበሪኦምን ስረሖምን ተወሲዶም፡ ‘ኣብዚኣ ኣተው’ ዘይበሃሉ በቢ ዓዱን ከባቢኡን ማእለያ የብሎምን። እዞም ገሊኦም ተኣሲሮም ወይ ተኣሲረን ገሊኦም’ውን ሞይቶም ወይ ሞይተን ዘለው፡ ንገሊኦም ሓወቦታቶም፡ ንገሊኦም ኣሞታቶም፡ ንገሊኦም ኣኮታቶም፡ ንገሊኦም ሓትነታቶም፡ ብቐንዱ ድማ ደቆም ወይ ወለዶም ወይ ኣሕዋቶም ወይ ኣሓቶም ወይ ኣሓተን እዮም ወይ እየን።
እዚ ኣብ ልዕሊ ጆርጅ ፍሎይድ ዝወረደ ኣሰቃቂ ገበን እምበኣር፡ ሳላ ገበን ኮነ ግፍዒ ክጻወሩ ዘይክኣሉ ኣህዛብ ሓቢሮም ድምጾም ዘስመዑ፡ እቶም ነቲ ገበን ዝፈጸሙ ፖሊስ ናብ ሕጊ ክቐርቡ ክኢሎም ኣለው። ንሕና ኤርትራውያን’ውን ኣብ ውሽጢ ንሃሉ ኣብ ደገ ሓቢርና ድምጽና ከነስምዕ እንተ ኽኢልና ፍትሒ ከነንግስን ውጹዓት ከነገላግልን ምሉእ ብምሉእ ብቕዓትን ዓቅምን ኣለና።